top of page
protect comunity_edited.jpg

Protect Our Community 

From Harmful Speech

ሕብረተሰብና ሓቂ፣ ሓላፍነትን ክብርን ተመርኲሱ ክዛረብ ከሎ፡ ጽኑዕን ሓያልን ይኸውን። ግን ገለ ውልቀ-ሰባት ብፍላይ ኣብ ጾታዊ ፍልልይ ዝዓለመ ኣሉታዊ ወፍሪ ማሕበራዊ-ሜድያ ፥ ህዝባዊ መድረኻት ተጠቒሞም ጎዳኢ ክስታት፣ ጸርፊ፣ ጌጋ ሓበሬታ፣ ምፍርራሕ፣ ወይ ማሕበራዊ ክብሪ ሕብረተሰብና ዝፈላልይ ቃላት ከስፋሕፍሑ ከለዉ፡ ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ይጉድኡ።

ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ተዛረብቲ ትግርኛ፡ ሓላፍነታዊ ኣዘራርባን ሕጋዊ ተሓታትነትን ንምድንፋዕ፡ ነዚ ወፍሪ ንጅምር ኣለና።

እዚ ወፍሪ ናይ ሕነ-ምፍዳይ፣ ጽልኢ፣ ወይ ውልቃዊ መጥቃዕቲ ኣይኮነን። እዚ ወፍሪ ናይ ክብሪ፣ ሓቂ፣ መርትዖን ፍትሕን እዩ።

ኩሉ ሰብ ሓሳቡ ናይ ምግላጽ መሰል ከም ዘለዎ ንኣምን። ግን ዋላ ሓደ ሰብ፡ ስምን ክብርን ካልእ ሰብ ናይ ምጥፋእ፣ ሰላም ማሕበረሰብ ዝዘርግ ናይ ምፍርራሕ፣ ወይ ጎዳኢ ክስታት ብዘይ ሓላፍነት ናይ ምስፍሕፋሕ መሰል የብሉን።

​​

ብመንገዲ እዚ ወፍሪ፡ ንቕሓት ከነዐቢ ኢና፣ ኣብ ዝግባእ ግዜ ብሰነድ ዝተደገፈ መርትዖ ክንእክብ ኢና፣ ዝተጎድኡ ሰባት ክንድግፍ ኢና፣ ከምኡውን ህዝባዊ መግለጺታት ብሕጊ ክሕተትሉ ዝኽእሉ እንተኾይኖም፡ ሞያዊ ሕጋዊ ምኽሪ ክንደሊ ኢና።

ከም ሕብረተሰብ ፡ ካብ ዝተፈልየ ብሉጽ ግን ንሕና ጥራት ንፈልጦ ቋንቋታትን ድሕረ-ባይታታትን ዝመጻእና፡ ባህሊ ሓላፍነታዊ ኣዘራርባ ክንሃንጽ ይግባእ። ሓሶት ዝተመርኮሰ ክስታት፣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝግበር ውርደት፣ ምፍርራሕ፣ ከምኡውን ጎዳኢ ናይ ኢንተርነት መግለጺታት፡ ስድራቤታት፣ ስምን ክብርን ሰባት፣ ከምኡውን እምነት ማሕበረሰብ ክጎድኡ ይኽእሉ። ክብሪ፣ ሓቂ፣ ከምኡውን ሕጋዊ ሓላፍነት ንምድንፋዕ፡ ነዚ ወፍሪ እንጅምር ኣለና። እዚ ብዛዕባ ሕነ-ምፍዳይ ኣይኮነን። ብዛዕባ ሓላፍነት እዩ።

ሓገዝኩም ንወፍሪ ማሕበራዊ ተሓታትነት፥

ሓቂ፣ ክብሪ፣ ከምኡውን ሕጋዊ ተሓታትነት ንምድጋፍ ድጋፍኩም ብወፈያ ኣረጋግጽ።

ወፈያኩም ንሓደ እዋን (one time) ወይ ወርሓዊ (monthly)

One time

Monthly

Amount

$20

$50

$100

$200

Other

0/100

   ሪኢቶሙክ (ከም ኣድላይነቱ ጸሓፉ)

Oqbet exists: to strengthen responsible families, faith-rooted homes, cultural identity, and heritage across the diaspora.

© 2026 Oqbet. All rights reserved.

bottom of page